[ditty_news_ticker id="364"]
[ditty_news_ticker id="388"]
Anmälan till vigsel / ምዝገባ ንምእሳር ቃል ኪዳን
ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ከምዚተኸፍለ መረጋገጺ ኣብ ዕለተ ምእሳር ቃልኪዳን ግድን ክህሉ ኣሎዎ።
ኣብዚ መሕትት እትህብዎ ሓበሬታ ልክዕ ከምቲ ኣብቲ ሽወደናዊ መለለዪ ወረቀትኩም ዘሎ ሓበሬታኹም ክኸውን ኣሎዎ። ብዘይካ ናይ ክርስትና ስምኩም ካልእ ኩሉ ብቛንቛ ሽወደን ክትመልእዎ ግድን እዩ።
Tack och välkommen! ነመስግን። መርሓባ!
Praktiska Vigsel förberedelser
Man förväntas ha förståelse-kyrkans regler,
- Man förväntas ha respekt för kyrkans och församlingens arbetsordningar och
- Man förväntas göra vad kyrkan förväntar sig av en.
Måste nedanstående grundläggande kravet uppfyllas för att förrätta vigsel i den Eritreanska Ortodoxa Tewahdo kyrkan.
- Utredd eventuella hinder för äktenskapet
- Ta Kontakt med din församlingens präst för att kunna bestämma Vigsel datum
- Samtycke tilläktenskapet av båda blivande makarna krävs
- Giltigt intyg om hindersprövning ska lämnas av de blivande makarna till prästen (vigselförrättaren) före vigseln (4 kap. 5 § ÄktB). Hindersprövning innebär, under 18 år får inte ingå i äktenskap, nära släkt får inte gifta med varandra, om någon är redan gift/ registrerad partner får ni inte gifta er. En hindersprövning är giltig i fyra månader från beslutsdagen.
Hindersprövning från behörig myndighet i Danmark, Finland, Island eller Norge är giltig för vigsel i Sverige, (2 och 23 §§ NÄF). Hindersprövning som utfärdats av svensk ambassad eller lönat konsulat i utlandet är inte giltig för svensk vigsel i Sverige
ብዛዕባ ኣባልነት
ዕላማ ኣባልነት
- ብዛዕባ ሃይማኖትካ ብግቡእ ፈሊጥካ ንሂወትካ ኣብዛ ቅድስቲ ሃገረ ኣግዚኣብሄር ዝተሰመየት ቤት ኣማዕቚብካ ብመንገዲ እግዚኣብሔር እናተመሃርካ ብመንፈሳዊ ህይወት ምጓዓዝ ማለት ኢዩ።
- ሓደ ምእመን ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ዘለዎ ግቡእነትን መሰልን ተረዲኡ ብመንፈሳዊ ኣገባብ ተሳታፍነቱ ከም ዘረጋግጽ ምግባር።
- ኩሉ ኣባል ናይ ኣባልነት ካርድ ክሕዝን ክፍሊታቱ ኣብ ግዜኡ ክፍጽምን መንፈሳዊ ግዴትኡ እዩ።
- ሓደ ኣባል ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ክሳተፍን ክመርጽን ክምረጽን ከምኡውን ርእይቶ ክህብን መሰል ኣለዎ።
- ንዕብየት ቤተ-ክርስቲያን ኩሉ ኣባል ብልብን ተወፋይነትን ንኽሰርሕ ጻዕርታት ምክያድ።
ከምቲ ኣብ ማእከልኩም ክነብርሲ መቅደስ ስርሑለይ ኢሉ ዝኣዘዘና ናይዚ ቃል ርዝነት ተረዲእና ብሓያል ተበግሶን ሰናይ ድልየትን ብቅኑዕ ልብን ተወሃሂድና ወነንቲ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያና ክንከውን ኢዩ።
ለበዋ
- ብዝተኻእለ መጠን ክፍሊት ኣብ ግዚኡ ክኽፈል
- ኣብዚ ጽሑፍ ብሩህ ዘይኮነ እንተሎ ንክፍሊ ኣባልነት ብኣካል ኮነ ብቴሌፎን ምውካስ የድሊ። ርከቡና ኣብ ዝብል ኣብታሕቲ ናይዚ ዓምዲ ተወከሱ። (https://stockholm.eotk.se/contactus/)
ዓመታዊ ክፍሊት
ዓመታዊ ክፍሊት ኣባልነት 600 ክሮነር ኮይኑ ነዚ ድማ ብከምዚ ኣገባብ ክኽፈል ይከኣል።
- ካብዚ 2016 ዝጀመረ ናይ autogiro system ወርሓዊ 50 ክሮነር፣ ፎርም ብምምላእ፣ ዝኽፈል ኣገባብ ኮይኑ ፣እቲ ዝበለጸን ዝጸፈፈን እዩ፣ ነዚ ክውን ኣብዚ ንጠውቕ (https://www.bankgirot.se/globalassets/dokument/e-formular/Autogiroanmalan_medgivande_till_kontonummer.pd)
- ተመዝጊብና ናብ ኣድራሻ ናብ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም ምልኣኽ የድሊ።
- ናይ ዓመት ብሓደ ጊዜ 600ክሮነር ብኢንተርነት (bankgiro) ወይ ብጥረ ገንዘብ (kontant) ክኽፈል ይከኣል
- ወርሓዊ 50 ክሮነር ብጥረ ገንዘብ (kontant) ውን ከም ሳልሳይ ምርጫ ይከኣል
- ከምእውን እናመቓቐልካ ክኽፈል ይከኣል። ንኣብነት 200, 300…….ክሮነር
ኽፍሊት ኣባልነት ደው ዝብለሉ
- ቅድስት ማርያም kyrkoskat (medlemsavgift) መሰል ንክወሃባ ትሰርሓሉ ዘላ ኮይኑ፣ እዚ ክፍሊት ደው ኢሉ ብ መልኽዕ ስካት ካብ ደሞዝ ዝኽፈል ይትካእ፣ እዚ ድማ ክውን ዝከውን ቅድስት ማርያም ብ መንግስቲ ሽወደን መሰል ናይ ስካት ምስ ትረክብ ይከዉን። ንዝያዳ ሓበሬታ ነዚ ሊንክ ጠውቁ https://stockholm.eotk.se/log-in/
እግዚኣብሔር ቤተክርስትያናን ምእመናናን ይሓሉው። ኣሜን።