[ditty_news_ticker id="364"]
[ditty_news_ticker id="388"]
ሰላም ኣብ ምድሪ ይኹን!
ቅድስት ማርያም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣብ ስቶክሆልም ሽወደንቤተ ክርስቲያና
ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ስቶክሆልምን ከባቢኣን ዝቕመጡ ምእመናን፡ ብእምነትን ባህልን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት መንፈሳዊ ኣገልግሎት፣ ከም ስርዓት ቃል ኪዳንን ጸጋ ጥምቀትን ንምርካብ ዘጋጥሞም ንዝነበረ ሽግር ንምፍታሕ፡ ብግዱሳትን ውሑዳትን ኤርትራውያን ምስ ናይ ሸፕስሆልም ቤተክርስቲያና ኣገልጋሊ ዮሃንስ ፎርሻምሊንግ ኤርትራዊ ካህን ኣምጺኦም ንኽግልገሉ ብምስምማዕ፡ ኣብ መጀመርታ ሰማንያታት ከም ማሕበር ተመስሪታ። ...
ኣብዚ ሕጂ እዋን ቤተክርስትያና 5 ካህናት፣ 1 መርጌታ፣ 17 ድያቆናት፣ 17 ተምሃሮ ካብኣቶም 7 ማዕርገ ዲቁና ዝተቀበሉ ክህልዉ ከልዉ ካልኦት’ውን ሓደስቲ ተመሃሮ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።
መርሓባ
ቤተክርስትያና ንኹሉ መርሓባ ትብል።
ኩሩዕ ባህሊ፣ ፍቕሪን ልቦናን ወለድና ዓቒባ፣ ክብሪ ህዝባ ሓልያን ሰባ ኣሕሊፋ ከይሃበት፣ ብትእዛዝን ቃልን እግዚኣብሔር ጥራሕ ትምራሕ ካብ ኩሉ ዓይነት ጸቕጥን ምጽወታን ነጻ ዚኾነት፣ ንዋላ ሓደ ወገን ከም ጸላኢ ዘይትፍርጅ ናይ ፍቕርን ሓልዮትን ቤት ኣምላኽ እያሞ፣
ቤት ኩልና ስለዚኾነት መርሓባ
Årsmöte
I faders, sonens och den helige andens namn
Amen!
Hej Santa marias församlingsmedlemmar!
Härmed kallar vi årsmöte 2020.
Årsmötet är öppet för alla som är intresserade av vår församling men det är endast medlemmar som kan vara med och bestämma.
Datum: lördag den 16 februari 2020
Tid: 16:00
Plats: Kista Allè vägen 60, Kista
Så varmt Välkomna! Vi bjuder mat!!
- Mötes öppnande
- Val av mötesordförande
- Val av sekreterare för möte
- Val av justeringspersoner, tillika rösträknare.
- Godkännande av dagordning
- Styrelsens verksamhetsberättelse för 201
- Styrelsens årsredovisning
- Revisorernas årsberättelse
- Behandling av inkomna motioner
- Personalinformation
- Styrelsens förslag till budget för 2017
- Övriga frågor
- Mötes Avslutning
ዓመታዊ ኣኼባ
ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቁዱስ ኣሃድ ኣምላክ ኣመን!
ሰላም ንዓኹም ኣባላት ማሕበር!
ከምቲ ልሙድ ዓመታዊ ኣኼባና ንቀዳም ዕለት 16/02/2020 ከነካይድ ስለ ዝኾና ኩሉኹም ኣባላት ተሳተፍቲ ንኽትኮኑ ሽማግለ ማሕበር ብኽብሪ ይዕድም።
ንገብረሉ ቦታ ኣብ Kista Allè vägen 60, Kista
ሰዓት: 12:00
ብደሓን ምጹ ሰበኻ ጉባኤ። ምሳሕ ካባና!
===============================
ሓዲሽ ተዉሳኽ ኣብ ዉሽጣዊ ሕጊ ቅ. ማርያም ኦ.ተ.ቤ.ኤ ኣብ ስቶክሆልም ወፍሪ ርእሰ-ማል
ኣብ ባንኪ ዘሎ ርእሰ-ማል ቅ.ማ.ኦ.ተ.ቤ.ኤ.ስ. ብዕዳጋ ቁጠባዊ ዝቕባበ እናተሃስየ ይኸይድ ስለዘሎ፡ ኣርባሕን ብተዛማዲ ዉሕስነት ኣብ ዘለዎ ዓይነት ንግዲ፡ ወፍሪ ይትግበር። ብመሰረት ቁ.1 ንምትግባር፡ ሰበካ ጉባኤ ነዚ ስራሕ ዝበቕዑ 5 ዝተዛነቑ ክኢላታት ብመሰረት ዝስዕብ መምዘኒታት ኮሚቴ ብምቛም ከምዝትግበር ይገብር፤
- ኣብ ዓዉዲ ቁጠባ/ባንክ/ሕጊ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎ፡
- ኣብ ንግዲ ዝነጥፍ ዘሎ ኮይኑ፡ ጽቡቕ ኣፍልጦን ተመክሮን ንግዲ ዘለዎ፡
- ልዑል ናይ ላዕለዋይ ደርጃ ትምህርቲ ዝቐሰመን፡ ኣብ ሰራሕ ዝርከብን፡
ዝቖመት ኮሚቴ ወፍሪ ርእሰማል፡ እዚ ዝስዕብ ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ንድፊ ዉጥን ወፍሪ የቕርብ፤
- ወፍሪ ርእሰ-ማል ኣበየናይ ጽላት ንግዲ ምስ ዝኸዉን እዩ ብተዛማዲ ዉሕስን ኣርባሕን ዝኸዉን፡ ብመንጽር ቅ.ማ.ኦ.ተ.ቤ.?
- ኣድላይነት ምምቕራሕ ወፍሪ ርእሰ-ማል ኣብ ጽላትታት ንግዲ?
- ንዝተመርጹ ጽላታት ንግዲ፡ ኣዉንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ጎኖም ብመንጽር ዕላማታት ቅ.ማ.ኦ.ተ.ቤ. ከምኡዉን ንግዳዊ ኣካይድኦም (Hur förvaltas)?
- ትጽቢታዊ ረብሓ፡ ካብ ዝተሓስቡ ወፍሪ ጽላታት ንግዲ?
ግብረ ሰናይ ማሕበር ሙቛም ኣታዊኡ ብቀጥታ ኣብ ጥቕሚ በተክርስትያን ምውዓል
ኣገልግሎትና
- ቅዳሰን ማህለትን
- ጥምቀት
- መርዓ
- ቀብርን ፍትሓትን
- ቤት ትምህርቲ ሰንበት
- ትምህርቲ ሃይማኖት ንዓበይቲ
- ወዘተረፈ
ኣባልነት
ሓደ ምእመን ኣባል ንሙዃን ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ከማልእ ኣለዎ
- መንነት (legitmation) ናይ ሽወደን
- ስም ክርስትና
- ቁ-ቴሌፎን
- ትሕቲ 18 ዓመት ምስ ኣቦ ወይ ኣደ ይምዝገቡ (ዕለት ልደት የድሊ)
- ኢመይል ኣድራሻ ክህልዎ ተመራጺ ይከውን፣
ትምህርቲ ሰንበት
ቤት ትምህርትና ንኹሎም ህጻናት ክፉዩ!
ዕለት: ዓርቢ ሰዓት: 18.00 - 21.00 ኣድራሻ: Loftengatan 32 - 34
ዕላማ ኣባልነት
- ብዛዕባ ሃይማኖትካ ብግቡእ ፈሊጥካ ንሂወትካ ኣብዛ ቅድስቲ ሃገረ ኣግዚኣብሄር ዝተሰመየት ቤት ኣማዕቚብካ ብመንገዲ እግዚኣብሔር እናተመሃርካ ብመንፈሳዊ ህይወት ምጓዓዝ ማለት ኢዩ።
- ሓደ ምእመን ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ዘለዎ ግቡእነትን መሰልን ተረዲኡ ብመንፈሳዊ ኣገባብ ተሳታፍነቱ ከም ዘረጋግጽ ምግባር።
- ኩሉ ኣባል ናይ ኣባልነት ካርድ ክሕዝን ክፍሊታቱ ኣብ ግዜኡ ክፍጽምን መንፈሳዊ ግዴትኡ እዩ።
- ሓደ ኣባል ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ክሳተፍን ክመርጽን ክምረጽን ከምኡውን ርእይቶ ክህብን መሰል ኣለዎ።
- ንዕብየት ቤተ-ክርስቲያን ኩሉ ኣባል ብልብን ተወፋይነትን ንኽሰርሕ ጻዕርታት ምክያድ።
- ከምቲ ኣብ ማእከልኩም ክነብርሲ መቅደስ ስርሑለይ ኢሉ ዝኣዘዘና ናይዚ ቃል ርዝነት ተረዲእና ብሓያል ተበግሶን ሰናይ ድልየትን ብቅኑዕ ልብን ተወሃሂድና ወነንቲ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያና ክንከውን ኢዩ።
Medlemsavgift
ዓመታዊ ክፍሊት ኣባልነት 600 ክሮነር ኮይኑ ነዚ ድማ ብከምዚ ኣገባብ ክኽፈል ይከኣል።
- ካብዚ 2016 ዝጀመረ ናይ autogiro system ወርሓዊ 50 ክሮነር፣ ፎርም ብምምላእ፣ ዝኽፈል ኣገባብ ኮይኑ ፣እቲ ዝበለጸን ዝጸፈፈን እዩ፣ ነዚ ክውን ኣብዚ ንጠውቕ
- ተመዝጊብና ናብ ኣድራሻ ናብ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም ምልኣኽ የድሊ።
- ናይ ዓመት ብሓደ ጊዜ 600ክሮነር ብኢንተርነት (bankgiro) ወይ ብጥረ ገንዘብ (kontant) ክኽፈል ይከኣል
- ወርሓዊ 50 ክሮነር ብጥረ ገንዘብ (kontant) ውን ከም ሳልሳይ ምርጫ ይከኣል
- ከምእውን እናመቓቐልካ ክኽፈል ይከኣል። ንኣብነት 100. 200,300…….ክሮነር
ለበዋ
- ብዝተኻእለ መጠን ክፍሊት ኣብ ግዚኡ ክኽፈል
- ኣብዚ ጽሑፍ ብሩህ ዘይኮነ እንተሎ ንክፍሊ ኣባልነት ብኣካል ኮነ ብቴሌፎን ምውካስ የድሊ። ርከቡና ኣብ ዝብል ኣብታሕቲ ናይዚ ዓምዲ ተወከሱ።
ጥምቀት

በሰመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።
ኩሉ ተገልጋሊ ጥምቀት ነዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ከማልእ ኣሎዎ።
- ስርዓተ ጥምቀት እንታይ ምዃኑ ብግቡእ ምርዳእን ምፍላጥን
- እቲ ዝጥመቕ ህጻን ጸጒሪ ርእሱ/ሳ ምልጻይ
- እቲ/ እታ ዝሕዞ/ ትሕዞ ኣባልገ ናይ ኦርቶዶክስ ኣማኒ/ት ክኸውን/ ክትከውን ኣለዎ/ዋ
- ንግሆ ሰዓት 08.00 ኣብ ቤተ ክርስትያን ምርካብ
- ግቡእ ክዳን ቤተ ክርስትያን ምኽዳን ጸጕሪ ርእሲ ምሽፋን
- ኣባልገ ቀረባ ዘመድ ክኸውን የብሉን/ላን
- ክፍሊት ኣገልግሎት ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቀዲምካ ምኽፋል
- ቅድሚ መዓልቲ ጥምቀት ተወሓደ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ምስ ኣበነብስ ርክብ ክግበር ግድን እዩ
- ጥምቀት ኣለኒ ኢልካ፣ ቅድሚ ምስ ክፍሊ ሕሳብ ምርካብካን ቆጸራ ምግባርካን፣ ኣብ ቁጽሪ ሕሳብ ቅድስት ቤተክርስትያን ምክፋል ኣይፍቀድን
መርዓ
ሓደ ሰብ ቃልኪዳን ክኣስር ምስ ዝደሊ ነዞም ዝስዕቡ ከማላእ ይግደድ።
- ክምርዓው ዝደለየ ቅድሚ ሕጂ ቃል ኪዳን ከምዘይኣሰረ|ት ብጹሑፍ የመልክቱ።
- ብወገን ወዲ 3ተ መሰካክር ብወገን ጓል ከኣ 3ተ መሳካክር ሒዞም ይቀርቡ።
- ክልተ ስኣሊ ናይ መርዓዊ ክልተ ስእሊ ናይ መርዓት የቅርቡ።
- ሰዓታት ቤተክርስትያንን ኣከዳድናን ስርዓተ ቤተክርስትያን ከማልኡ ይግደዱ።
- እቲ መርዓዊ ወይ እታ መርዓት ካብ ስቶኮሆልም /ሽወደን / ወጻኢ ዝቕመጡ እንተ ኮይኖም ካብቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ብሕጊ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሲኖዶስ ዝምራሕ ቤተክርስቲያን ናይ ደገፍ መሰነይታ ወረቀት ሒዙ ይቀርቡ።
- ናይ ኣገልግሎት ገንዘብ ብPlusgiro ወይ Bankgiro ኣቀዲምካ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ምስ ዝምልከቶ ኣካል ተራኪብካ፣ ክፍሊት ምጽፋፍ።
- ቅድሚ መዓልቲ መርዓ ተወሓደ፣ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ምስ ኣበነብስን ክፍሊ ሕሳብን ርክብ ክግበር ግድን እዩ።
- መርዓ ኣለኒ ኢልካ፣ ቅድሚ ምስ ክፍሊ ሕሳብ ምርካብካን ቆጸራ ምግባርካን፣ ኣብ ቁጽሪ ሕሳብ ቅድስት ቤተክርስትያን ምክፋል ኣይፍቀድን።
- ከምኡ ውን ካብ ሃገረ ሽወደን ወጻኢ ክምርዓዉ ዝደለዩ ኣቀዲሙ/ማ ናይ መሰነይታ ወረቀት ምስ ዝደልዩ ክልተ ሰሙን ቅድሚ ነቲ ቃልኪዳን ወይ መገሻ ክተርፎ ከሎ ብጹሑፍ ንቤተክርስትያን ቅ/ድ/ል/ማርያም ስቶኮሎም ይሓትት።